ሚድያታት ዓለም ኣብ ጉዳይ ብሰንኪ ስእነት ምግቢ ብጥምየት ዝረግፍ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ።

12 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

(104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) ኣብ ትግራይ ሓገዝ ሰብኣዊ ረድኤት ድሕሪ ምቁራፁ ብውሕዱ 1400 ሰባት ብጥሜት ከምዝሞቱ እናተገለፀ ዝርከብ ኾይኑ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ካብ ሓላፊ ኮምሽን ምእላይ ስግኣት ሓደጋ ትግራይ ኣቶ ገብረሂወት ገብረእግዚኣብሄር ረኪቦዮ ኢሉ ኣብ ዝዘርገሖ ፀብፃብ ከምዝበሎ ድማ ብምክንያት ስርቂን ምጥፍፋእን ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ድጋፍ ድሕሪ ምቁራፁ ብውሕዱ 1400 ሰባት ብጥሜት ከምዝሞቱ ብምሕባር እዚ ድማ ፕሮግራም መግቢ ዓለምን(WFP) ትካል ረድኤት ኣሜሪካ (ዩኤስኤይድን) ኣብ ወርሒ ግንቦት ናብ ትግራይ ዘቕርብዎ ናይ መግቢ ሓገዝ ደው ምባሎም ሲዒቡ እዩ ክብል ገሊፁ።

ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ኣብ ትግራይ ዝተካየደ ኣዕናዊ ኩናት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ መንግስታት ትግራይን ኢ/ያን ብዝተበፀሐ ስምምዕ ደው ክብል ከምዝተገበረን ብሰንኪ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ድማ ኣስታት 600 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱ ንልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃን ነበር ፕረዚደንት ናይጀርያን ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ ሓደ እዋን ዝሃብዎ መብርሂ ተወኪሱ ድሕሪ ምሕባሩ ሞት ናይዞም ኣማኢት ኣሻሓት ሰላማውያን ወገናት እውን ብኲናት፣ ጥምየትን ሕፅረት መድሓኒትን ከምዝኾነ ኣረዲኡ እዩ።

ሓላፊ ኮምሽን ምእላይ ስግኣት ሓደጋ ትግራይ ኣቶ ገብረሂወት ገብረእግዚኣብሄር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ከምዝገለፅዎ እቲ ሓገዝ ካብ ዝቋረፅ ንደሓር ካብ ሰለስተ ዞባታት ጥራሕ ማለት ሰሜን፣ ሰሜናዊ ምዕራብን ደቡባዊ ምብራቕን ከባቢ 1400 ሰባት ብሰንኪ ጥሜት ምማቶም ብምግላፅ ኣሃዛት ናይ ካልኦት ዞባታት ትግራይን ከተማ መቐለን እንተተወሲኽዎ እቲ ቁፅሪ ኣዝዩ ክዛይድ ከምዝኽእል’ውን ሓቢሮም እዮም ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *