መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮውሃንስ ራብዓይ ኣኽሱም ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ መስርሕ ምንፃፍ ቅጥራን (ካርታመ) በፂሑ።

ኣብ ኣኽሱም መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮውሃንስ ራብዓይ ዝስራሕ ዘሎ ናይ መወዳእታ ምጅማር ምንፃፍ ኣስፋልትን ስራሕቲ መሰረተ ልምዓትን ዝግምግም ዑደት ተሳሊጡ ።

ኣብቲ ዑደት ሓላፊት ቢሮ ኮንስትራክሽንን መንገዲ ትራንስፓርትን ወ/ሮ ኣልማዝ ገብረፃድቃን ፣ ከንቲባ ከተማ ኣኽሱም ኣይተ ኣበበ ብርሃነ ፣ ኣማሓዳሪ ርእሰ ኣድባራት ወገዳማት ኣኽሱም ፅዮን ክቡር ነብርእድ ጎደፋ መርሃ ፡ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ሓለፍቲ ስራሕ፥ናይ ሕ/ሰብ ተወከልቲ፥ መንኣሰይን ሰብ ሞያን ኮንሳልታንትን ናይ ኑኡድ ክንስትራክሽን ከምዝተሳተፉ ድወት ፀብፂቡ’ሎ።

እቲ ዑደት ኣብ ምዝዛም ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮውሃንስ ራብዓይ ኣኽሱም ዝስራሕ ዘሎ ፕሮጀክት ፅሬቱን ሰለጤኑን ንምዕዛብ ዝዓለመ ምዃኑ ከንቲባ ኣኽሱም ኣይተ ኣበበ ብርሃነ ገሊፆም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *