“መንግስቲ ፌደራል ሓላፍነቱ ብኣግባቡ ክዋፃእ ብዘይምኽኣሉ ህዝብና ኣብ ከቢድ ስቓይን መከራን ይርከብ።” – ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ።

“ምስ መንግስቲ ፌደራልን ካልኦት ዝምልከቶም ማሕበረሰብ ዓለምን ብምዃን ውዕሊ ፕሪቶርያ መሊኡ ንኽትግበር ክሰርሕ’የ።”- መንግስቲ ጀርመን።

ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ምስ ተወካሊ ልኡኽ ጉጅለን ዳይሬክተር ሚኒስትሪ ምትሕብባር ቁጠባን ልምዓትን ኣፍሪካ ሃገረ ጀርመን ሚስተር ፊሊፕ ኪኒል ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዘካየድዎ ልዝብ ከምዝገለፅዎ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ሒዝዎም ዝመፀ እወንታዊ ምዕባለታት ዋላ’ኳ እንተሃለው ሐዚ’ውን ወረርቲ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ካብ መሬት ትግራይ ዘይምውፅኦምን ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ዘይምምላሶምን ህዝብና ኣብ ከቢድ ስቓይ ጥሒሉ ከምዘሎ ድሕሪ ምግላፅ መንግስቲ ፌደራል ብመሰረት እቲ ዝተኸተመ ውዕል ሓላፍነቱ ብኣግባቡ ክዋፃእ ብዘይምኽኣሉ’ዩ ኢሎም።

ተወካሊ ልኡኽ ጉጅለን ዳይሬክተር ሚኒስትሪ ምትሕብባር ቁጠባን ልምዓትን ኣፍሪካ ሃገረ ጀርመን ሚስተር ፊሊፕ ኪኒል ብወገኖም ኣብ ዙርያ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ምስ መንግስቲ ፌደራልን ካልኦት ዝምልከቶም ማሕበረሰብ ዓለምን ብምዃን ውዕሊ ፕሪቶርያ መሊኡ ንኽትግበር መንግስቲ ጀርመን ከምዝሰርሕ ኣፍሊጦም።

ኣብ መወዳእታ ድማ መንግስቲ ጀርመን ኣብ ምዝማን ሕርሻ ትግራይ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ዕብየት ቁጠባ ትግራይ ጀሚራቶ ዘላ መንገዲ ኣጠናኺራ ከምትቕፅለሉ ኣፍሊጦም ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *