መንግስቲ ዘይፈልጦም ቤት ማእስርቲ ኣለው። ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ።

01 ጳጉሜን 2015 ዓ/ም

ፀጥታ ሕብረተስብ ንምዝራግን ሃፍትን ንብረት ብሓይሊ ንምምንዛዕ ዕላማ ብምግባር መንግስቲ ዘይፈልጦም ቤት ማእስርቲ ኣጣይሾም ከበድቲ ገበናት ኣብ ምፍፃም ዝርከቡ ኣካላት ከምዘለው ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ኩኖታት ትግራይ ኣመልኪቶም ከምዝበልዋ ሐዚ ስለማዊ ህዝቢ ንምሽባርን ብስላም ወፂኡ ብሰላም ንከይምለስ ብመዓልቱ ከበድቲ ገበናት እናተፈፀሙ ከምዝርከቡ ብምሕባር እዚ ኣደብ ንምትሓዝን ስርዓት ንምትሓዝን እናተስረሐ እዮ ኢሎም።

ስርቅን ክትራንን ኣብ ትግራይ ብስፍሓት ይስትውዐል ከምዘሎ ዝገለፁ ፕረዚደንት ኣይተ ጌታቸው ረዳ እዚ ድማ ዋላኳ ዝደንጎየ እንተኮነ ህዝቢ ብምውዳብ ነዞም ገበነኞታት ንምቁፅፃር ስራሕቲ ከምዝተጀመረ ኣረዲኦም።

ካብዚ ብተወሳኪ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ከምዝገለፅዋ ፀጥታ ሕብረተስብ ንምዝራግን ሃፍትን ንብረት ብሓይሊ ንምምንዛዕ ዕላማ ብምግባር መንግስቲ ዘይፈልጦም ቤት ማእስርቲ ኣጣይሾም ከበድቲ ገበናት ኣብ ምፍፃም ዝርከቡ ኣካላት ከምዘለው እውን ተዛሪቦም።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ እዚ ዝገለፁ ሎሚ ይህብዋ ኣብ ዘለው መግለፂ እዮ።

።።።።።።።።

ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *