መምህራን ካብ ሎሚ ጀሚሮም ምእንቲ ወለዶ ክበሃል ናብ መኣዲ ትምህርቲ ተመሊሶም ስርሖም ክጅምሩ ከምዝወሰነ ማሕበር መምህራን ትግራይ ኣፍሊጡ።

ማሕበር መምህራን ትግራይ ሎሚ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ከምዝሓበሮ ሕቶን ጠለብን መምህራን ንጊዝያዊ መንግስቲ ነፂሩ ብምቕማጥ ኣብ 33 ኣብያተ ትምህርቲ መምህራን ስረሖም ደው ምባሎም ስዒቡ ተቛሪፁ ዝፀንሐ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንወለዶ ተምሃሮ ክበሃል ካብ ሎሚ ጀሚሮም ስረሖም ክጅምሩ ከምዝወሰነ ኣብሪሁ።

መምህራን ኣገልግሎት መጓዓዝያ ክረኽቡ ፣ ካብ ባንክታት ንዝወሃብ ዘሎ መምርሕታትን ኣገዳድን መስርሕ ዕዳን ወለድን ክፈሉ ምባል፤ መንግስቲ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተዘራሪቡ ንወለድ ምሕረት ንክፍሊት ልቓሕ ድማ ንኽናዋሕ ምግባር ፣ ደምወዝ 5 ኣዋርሕ ክወሃብ’ዩ ንዝተብሃለ ነገር ምስ መንግስቲ ፌደራል ተዘራሪቡ ከተግብር ፣ መንግስቲ መምህራን ንዝሓትዎ ሕቶ ኣቓልቦ ሂቡ ክሰምዕን ክፈትሕን ዝብሉን ካልኦትን ጠለባት መምህራን ክትግበሩ እቲ ማሕበር ሓቲቱ’ሎ።

ንሕቶ መምህራን መልሲ ክሳብ ዝረከብ ግን ክሳብ ሰለማዊ ሰልፊ ንምግባር ከምዝግደድ ዝተሓነየ እቲ መግለፂ ተምሃራይ ወለዶ ኽጉዳእ ስለዘይብሉ ስረሖም ደው ዘበሉ መምህራን ካብ ሎሚ ጀሚሮም ስረሖም ክጅምሩ መምህራን ማሕበር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ኣመራርሓ እቲ ማሕበርን ካልኦት መዳርግትን ዘትዩ ከምዝወሰነ ኣብሪሁ’ሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *