ሕብረት ኣውሮፓ ንዘላቕነትን ተግባራውነትን ስምምዕ ሰላም ውዕል ፕሪቶርያ ፀቐጥታቱ ብምሕያል እጃሙ ክፍፅም ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ሓቲቶም።

ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ብሚስ ኢዛቤል ዋይዝለር ዝምርራሕ ጉጅለ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ህልዊ ኩነታት ትግራይ ኣድሂቦም ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዘካየድዎ ሓበራዊ ዘተ ከምዝገለፅዎ – ሕብረት ኣውሮፓ ንዘላቕነትን ተግባራውነትን ስምምዕ ሰላም ውዕል ፕሪቶርያ ንተፈፃምነቱ ፀቐጥታቱ ብምሕያል እጃሙ ክፍፅም ፀዊዖም።

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ እዋን ቁሉዕ ወራርን ድሕሪኡን ዛላቒ ሰላም ንምምፃእ ዝካየዶ ፃዕሪ ድሕሪ ምምስጋን ሕዚ’ዉን ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ኣብ ግብሪ ክሳብ ዝሽረፍ እቲ ሕብረት ሙሉእ ኣቓልቦ ሂቡ ክሰርሕ ከምዝግባእ ኣረዲኦም።

ንቲ ጉጅለ ሉኡኽ መሪሐን ዝመፃ ሚስ ኢዛቤል ዋይዝለር ብወገነን – ፓርላማ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ እዋን ኲናት ዝተፈላለዩ ገበናት ኣብ ልዕሊ ዝፈፀሙ ገበነኛታት ተሓተትቲ ንምግባርን ተጀሚሩ ዘሎ ሰላም ዘላቒ ንምግባርን ትኹረት ሂቡ ከምዝነጥፍ ገሊፀን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *