ሕብረት ኣውሮፓን ኣባላቱን ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ተጋሩ ዝተፈፀሙ ኩሎም ገበናት ግቡእ ምርመራ ክግበረሎም ፀቅጢ ከሕድሩ ኣለዎም ።

23 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች

;;;;;;;;;;;;;;;;;;;;;;;;;;;;;;

(104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) እቲ ብዳይሬክተር ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ላቲሺያ ባደር ዝተፀሓፈ ፀብፃብ ከምዘመላክቶ ኣብ ትግራይ ኩናት ካብ ዝለዓል ጀሚሩ ሕብረት ኣውሮፓን ኣባላት ሃገራትን ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝግበር ርክብን ምትእስሳርን ጉዳይ ተሓታትነት ወሳኒ ምኻኑ ክገልፁ ምፅንሖም ብምዝክካር ከም ኣብነት ብምልዓል ድማ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጀርመን አናሌና ባየርቦክ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2023 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየደኦ መገሻ ዘለቒ ሰላም ንምስፋን ዝተፈፀሙ ኩሎም ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ተሓታትነት ምርግጋፅ ኣገዳሲ ምዃኑ ምግላፀን ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣፍሊጡ።

ሕብረት ኣውሮፓ ኣህጉራዊ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ንክጣየሽ ዓብይ ኣበርክቶ ከምዝገበረ ዝገለፀ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ኩሎም ኣብ ኩናት ትግራይ ዝተሳተፉ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ጃምላዊ ቅትለት፣ ፆታዊ ዓመፅ፣ ኮነ ኢሎም ኣብ ልዕሊ ትካላት ክንክን ጥዕና መጥቃዕቲ ከምዝፈፀሙ ድሕሪ ምሕባር መንግስቲ ፌደራልን መሻርኽቱን ኣብ ትግራይ ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ተጠቒሞም ወፍሪ ዘርኢ ምፅናት ከምዘካየዱ እውን ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ፀብፃቡ ኣሰፊሩ ኣሎ ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች ወሲኩ ከምዝበሎ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦ እኳ እንተተገብረ ሐዚ እውን ግና ሰራዊት ኤርትራ ንገለ ክፋል ትግራይ ብሓይሊ ጎቢጡ ብምሓዝ ሰብኣዊ ድጋፍ ናብ ዝተፀገመ ማሕበረሰብ ከይበፃፃሕ ዕንቅፋት ይፈጥር ከምዘሎ ብምግላፅ ሓይልታት ኣምሓራ እውን ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዘርኢ ምፅናት ኣብ ምፍፃም ተፀሚዶም ከምዝርከቡ ኣረዲኡ ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ኩናት ዝተፈፀሙ ግፍዕታት ናፃ መርመራታት ክካየድ ዝቐረበ ፃውዒት ብትሪ እናተቓወመ ከምዝርከብ ዝገለፀ እቲ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት በዚ ምክንያት ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀሙ ግፍዕታት ፍትሕን ተሓታትነትን ከረጋገፅ ከምዘየካኣለን ብኣንፃሩ መንግስቲ ኢ/ያ ድማ ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ዝገብሮ ዘሎ ምንቅሰቃስ ምኻኑ ኣመላኪቱ ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ፀብፃብ ከምዝበሎ ሕብረት ኣውሮፓን ኣባላቱን ኣብ ኢትዮጵያ ንፍትሒ ደው ክብሉ ከምዝግባእን እቲ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ተጋሩ ብመንግስቲ ኢ/ያ፣ ሰራዊት ኤርትርን ዑጡቓት ክልል ኣምሓራን ዝተፈፀሙ ኩሎም ገበናት ግቡእ ምርመራ ክግበረሎምን ግዳያት ድማ ፍትሒ ክረክቡን ፀቅጢ ከሕድሩ ከምዘለዎም ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ሓቲቱ እዩ ።

;;;;;;;;;;;;;;;;;;;

ብጋዜጠኛ ገ/ሄር ገዳሙ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *