ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጲያ ካብ ቤት መረበቶም ንዝተመዛበሉን ብድርቂ ንዝተሃሰዩን ወገናት ዝውዕል ልዕሊ 67 ሚልዮን ብር ዝግመት ሓገዝ ምግቢ ኣበርኪቱ።

ምስ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ዝነበሮ ርክባት ንምሕዳስ ብኣካል ይቕርታ ንምሕታት መቐለ ዝርከብ ጉጅለ ሉኡኽ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጲያ ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ንዝርከቡ ወገናት እውን ሓገዝ ሒዙ መፂኡ እዩ ።

ካብ ዝተፈላለዩ ለገስቲን ውልቀሰባትን ዝተለገሰ ኣቑሑት ፡ ምግቢ ተንከፍን ፡ ካልኦት ናውትን ብጥረ ገንዘብን ዝተለገሰ ብድምር 67.2 ሚልዮን ዝግምት ሙኻኑ ሸኽ ዶክተር ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ዝሓበሩ ኮይኑ እቲ ሓገዝ ምዝንግዑ ይቕሬታ ሓቲቶም ።

ነቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ብወገኖም ነቲ ዝተገበረ ደገፍ ብምምስጋን ካብ ኩሉ ንላዕሊ ሕውነታዊ ርክባት ምጥንኻር ወሳኒ ሙኻኑ ገሊፆም ።

ጉጅለ ሉኡኽ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጲያ ኣብ ጊዝያዊ መዕቖቢ ተመዛበልቲ 70 ካሬ መቐለ ዑደት ብምግባር በቲ ፅንተታዊ ኩናት ካብ መረበቶም ብሓይሊ ተመዛቢሉም ዘለው ወገናት ዘለውሉ ኩነታት ተዓዚቦም ።

See insights and ads

Boost post

All reactions:

56ኤፍሬም ሰብዓ እንደርታ, Biniam G. Tesfu and 54 others

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *