ሓፀርቲ ዜናታት!

👉ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን መቐለ ስርዓት ንግዲ ከተማ መቐለ ንምዝማንን ሕጋውነት ንምርግጋፅን ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ፡፡

ዓይደር ነድሕኖ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ስነ-ስርዓት መተኣኻኸቢ እቶት ቴሌቶን ኮምፕረሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ይካየድ ኣሎ። ካብዚ ቴለቶን 100 ሚልዮን ብር ንምእካብ ትፅቢት ከምዝግበር ተገሊፁ።

👉11 ሕዳር 2016 ዓ/ም ካብ ቢሮ ፍትሒ ትግራይ ሕጋዊ ኣፍልጦ ረኽቡ ዝተመስረተ ማሕበር ሰራሐተኛታት መንግስቲ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ፈላማይ ጉባኤኡ ኣሳሊጡ፡፡

👉ደቡብ ኣፍሪካ – እስራኤል ኣብ ጋዛ “ተግባራት ዓሌት ምፅናት” ትፍፅም ኣላ ብዝብል ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክሲ ኣቕሪባ።

👉ሰሜን ኮርያ ኣብ 2024 ተወሳኺ ሰለስተ ሳተላይታት ስለላ ንምውንጫፍ መደብ ከምዘለዋ ኣፍሊጣ።

👉ዩክረይን ብኽልቲኡ ወገናት ድሕሪ ዝተኻየደ ዓቢይ ናይ ክልተ መዓልቲ መጥቃዕቲታት ነፈርቲ ዳግም ብሓድሽ ማዕበል ደብዳብ ነፈርቲ ሩስያ ትውቃዕ ከም ዘላ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊፆም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *