ልዕሊ 3,500 ወገናት ብበዓል ሃፍቲን ጉዱስን ትግራዋይ ዶክተር ዘርኡ ገብረሊባኖስ ብምኽንያት ብዓል ልደት ንዘዳለውዎ እንግዶት ምሳሕ ተቛዲሶም።

እቶም ብዓል ሃፍቲ ኣብ ዝገበርዎ እንግዶት ምሳሕ ዝተረኸቡ ቆሞስ ካቴሊካዊት ቤተክርስቲያን ከተማ መቐለ አባ ጥዑም በርሀ ኩሉ ትግረዋይ እንተተሓጋጊዙ ዘይፍታሕ ፀገም የለን ኢሎም።

አብዚ ሐዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ አብ ዝኸፍኣ ኩነታት ዋላ ይሃሉ ሐዚ እውን ተስፋ ሰኒቕናን ተሓጋጊዝናን እዛ ፀገም ክንሰግራ ይግባእ ኢሎም ኣባ ጥዑም በርሀ።

ብዓል ልደት እንትነኽብር ምስዝተፀገሙ ወገናት ኮይንና ክነሕልፎ ይግባእ ዝበሉ ብዓል ሃፍቲ ዶክተር ዘርኡ ገብረሊባኖስ ኩሉ ትግረዋይን ፈታዊ ትግራይን ተሓጋጊዙ ህዝብና ካብቲ አጋጢምዎ ዘሎ ፀገም ከድሕኖ ይግባእ ኢሎም።

ብፍላይ ዝተመዛበሉን ግዳያት ድርቂ ዝኮኑ ወገናትና ቶሎ ኽንበፅሐሎም ይግባእ ኢሎም እቶም ብዓል ሃፍቲ ከም ፀብፃብ ድወት።

See insights and ads

Boost post

All reactions:

2626

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *