ላዕለዎት ሰብመዚ ዝሓቖፈ ልኡኽ ሑቡራት ኣሜሪካ ፅባሕ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ’ዩ።

ተሓጋጋዚት ፀሓፊት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ንጉዳያት ኣፍሪካ ሞሊ ፊ ከምኡ’ውን ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር

ላዕለዎት ሰብ መዚ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ዝርከብዎም ጉጅለ ሰበስልጣን መንግስቲ ኣሜሪካ ካብ ፅባሕ ሰኑይ ጀሚሩ ንመዓልታት ዝወስድ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፃንሒት ከምዝገብር ቢቢሲ ሓቢሩ።

እዚ ጉጅለ ልኡኽ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኣመሪካ ምስቲ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ዝጅመር ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪካ ብዝተሓሓዝ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመፅእ ዘሎ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ፃንሒቱ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ንምዝርራብ መደብ ከምዘለዎ ተፈሊጡ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብተደጋጋሚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመላለሱ ዝነበሩ ተሓጋጋዚት ፀሓፊት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ንጉዳያት ኣፍሪካ ሞሊ ፊ ከምኡ’ውን ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ማይክ ሃመር ኣብቲ ጉጅለ ልኡኽ ተኻቲቶም ኣለዉ።

ሞሊ ፊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝህልዋ ፃንሒት ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብምርኻብ ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ከምእትዘራረብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣመልኪቱ’ሎ።

ፅባሕ ሰኑይ 4 ለካቲት 2016 ኣ.ግ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣትውን ንሽዱሽተ መዓልታት ዝፀንሕን ልኡኽ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኣመሪካ ወከልቲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ፣ ትካላት ጥዕናን ረድኤትን እታ ሃገር ዝሓቖፈ እዩ።

ብዘይካ ሰበስልጣን ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ዓለምለኻዊ ድሕነት ጥዕናን ዲፕሎማሲን ዶክተር ጆን ንኬንጋሶንግን ተሓጋጋዚ ኣካያዲ ትካል ልምዓት ኣመሪካ ጨንፈር ኣፍሪካ ሞንዴ ሙያንግዋን እውን ኣካል ናይቲ ልኡኽ እዮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *