ሆስፒታል ዓይደር ኣብ ኣውስትራልያ ካብ ዝርከቡ ዲያስፖራ ተጋሩ ሓገዝ ናውቲ ሕክምና ከምዝተረከበ ተገሊፁ ኣሎ።

14 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

(104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) እቲ ናብ ሆስፒታል ዓይደር ብሓገዝ ተበርኪቱ ዘሎ ናውቲ ሕክምና ካብ ኣውስትራልያ ዝርከቡ ዲያስፖራ ተጋሩ ብመንገዲ ኣውስትራልያውያን ዶክተራት ንኣፍሪቃ እንትኾውን ኣውስትራልያውያን ሓካይም እውን ነቲ ሆስፒታል ንኦርቶፔዲክ ተከላ ዝጠቐሙ መሳርሒታት ብሓገዝ ከምዘበርከቱ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ኣብ ድሕረ ገፁ ጠቒዑ እዩ

ካብ ተጋሩ ዲያስፖራ ዝተለገሰ መሳርሕታትን ቀረብን ግምታዊ ዋግኡ ኣስታት 80 ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ኮይኑ ዋጋ ናይ ፅዕነት 10,426 AUD (ኣስታት 6,848 ዶላር ኣመሪካ) እንትኾውን ጭቡጥ ዋጋ ናይቲ ኦርቶፔዲክ ተከላ ድማ 5,950 ዶላር ምኻኑ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ኣረዲኡ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ኣብዚ ድጋፍ ናውቲ ሕክምና ዝተሳተፉን ኣበርክቶ ዝገበሩን ኣካላት ምስጋንኡ ኣቅሪቡ ።

ሆስፒታል ዓይደር ስራሕ ካብ ዝጅምር 15 ዓመት ዘቑፀረ ኮይኑ ኣብ ግልጋሎት ሕክምና፣ ምምሃር ምስትምሃር፣ ምርምርን፣ ግልጋሎት ማሕበረሰብን ብብርኪ ሃገር ልዑል ተራ እናተፃወተ ዝፀንሐ ትካል ህዝቢ እዩ። ኮይኑ ግና ካብ ምጅማር ኲናት ትግራይ ጀሚሩ ብዘይ ምንም በጀት ኣብ ዓዲ ውሽጥን ኣብ ደገን ካብ ዝርከቡ ግዱሳት ብዝረኽቦ ሓገዝ ክሳብ ሎሚ ብውሱን ብርኪ ግልጋሎት ኣብ ምሃብ ይርከብ።

;;;;;;;;;;;;;;;;;;;;;;;;;;;

ገ/ሄር ገዳሙ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *