ህወሓት ኣጋጢምሞ ዘለው ፀገማት ከበድቲ ከምዝኾኑን ንዞም ብድሆታት ንምስጋር ቁልፊ መፍትሒኦም ጉባኤ ምዃኑ ውድብ ህወሓትን ማእኸላይ ቁፅፅር ኮምሽን ህወሓትን ኣፍሊጦም።

ውድብ ህወሓትን ማእኸላይ ቁፅፅር ኮምሽን ህወሓትን ሎሚ ኣብ ዘውፅእዎ ሓበራዊ መግለፂ ከምዝሓበርዎ እንኮ መፍትሒ ከበድቲ ብድሆ ህወሓት ዝፍታሕ ብጉባኤ ምዃኑ ድሕሪ ምንፃር ውድባዊ ጉባኤን ተዛማዲ መስርሑን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ክሰላሰል ወሲኖም።

ውሽጣውን ግዳማውን ፀገማት ህወሓት ዋላ’ኳ ኣዐርዩ ዝተሓላለኸን ዓሚቑን እንተኾነ ህዝቢ፣ ካድረን ኣባላት ውድብን ኣሰሊፉ ንኹሎም ማሕለኻታት ሰጊሩ ብዓወት መሰስ ከምዝብል ዘጠራጥር ከምዘይብሉ ኣፍቲ ዘውፅእዎ ሓባራዊ መግለፂ ኣብሪሆም።

ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለፂ ከምዘለዎ እንሆ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *