ሃገርለኸ ኤግዚቢሽንን ባዛርን ኣብ ከተማ መቐለ ክሰላሰል’ዩ።

  22 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ብምትሕብባር ቢሮ ኢንዱስትርን ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ ካብ 24 ክሳብ 30 መስከረም 2016 ዓ,ም ሃገረለኸ ኤግዚቢሸንን ባዛርን መፍረይቲ ትካላት ኣብ ከተማ መቐለ ክሳለጥ እዩ፡፡

እቲ ኤግዚቢሽን ”ሰላም ነፅንዕ፣ዝዓነወት ትግራይ ዳግም ንህነፅ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ከም ዝኾነ ሓላፊ ቢሮ ኢንዱስትሪ ዶ/ር ገ/ሂወት ዓገባን ም/ፕረዚደንት ቤትምኽሪ ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ ኣይተ ደስታ በርሀን ገሊፆም፡፡

እዚ ኤግዚቢሽን ብርክት ዝበለ ምድላዋት ዘካተተ ከም ዝኾነን ኣብ ምዕባይ ቁጠባ፣ ኢንቨስትመንት፣ ምፍጣር ዕድል ስራሕን ዘላቒ ሰላም ኣብ ምፍጣርን ዝለዓለ ረብሓ ከም ዘለዎ ተዛሪቦም፡፡

ብኲናት ዝተሃሰየት ትግራይ ዳግመ ሕውየታን ህንፀታን ዝረጋገፅ ካብ ውሽጣ ብዝብገስ ቁጠባዊ ምንቅስቓስ እዩ፣ ስለዚ ድማ ኣብ ደገን ውሽጥን ዝነብር ትግራዋይ ኣብዚ ኤግዚቢሽንን ባዛርን ክሳተፍ፣ብፍላይ ኩሎም ሰብሃፍቲ ትግራይ ብዝተዋደደ መልክዑ ኣብዚ ዋዕላ ተረኺቦም ምህርቶም ከፋልጡን ተጠቃማይ ሕ/ሰብ ድማ ፍትሓዊ ብዝኾነ ዋጋ ክተዓዳደግ ፃውዒት ኣቕሪቦም ክብል መራኸብቲ ሓፋሽ ኣማስዩ ፀብፂቡ፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *