ሃገረ ኬንያ ንታሪኽን መንነትን ተጋሩ ንዘንፀባርቑ ፀጋታት መስሕብ ቱሪዝም ትግራይ ክትላለ ውዒላ።

ኣብ ትግራይ ዘለው ንመነነትን ሕላገትን ህዝቢ ትግራይ ዘላለዩ ዝተፈላለዩ መስሕባት ቱሪዝም ንበፃሕቲ ዓድን መራሕቲ ኣጋይሽ ወፃእን ንምልላይ ዝዓለመ ምርኢት ስእሊ ፀጋታት ቱሪዝም ትግራይ ኣብ ርእሰ ከተማ ሃገረ ኬንያ – ናይሮቢ ተሳሊጡ። ከም ውፆኢቱ ድማ ቡዙሓት ኣጋይሽ ተዓዘበምዎ’ እዮም።

ኣፍቲ ብ’ኣፍሪካ ቱር ጋይድ’ ዝተዳለወ ምርኢት ስእሊ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ጥንታውን ታሪኻውን ሓድግታት፣ ባህላዊ መግብታትን በዓላትን ዘርእዩ ዝተፈለለዩ ገለፅቲ ሰእልታቶ ቀሪቦም ከም ዝቐረቡ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ብሰንኪ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ውግእ ትግራይ ብኸቢድ ዝተሃስየ ኢንዳስትሪ ቱሪዝም ትግራይ ንምንቕቓሕን ምንቅስቓስ በፃሕቲ ዓዲ ንምትብባዕን ዝዓለመ ምዃኑ ኣዳላውቲ እቲ ዓውደ ስእሊ ሓቢሮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *