ሃገረ ሶማል ንኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሃገረ ሶማል ጠሪዛ (ሰጒጓ) ፤ ክልተ ቆንስላታት ኢትዮጵያ ድማ ብቑልጡፍ ክዕፀው ኣዚዛ።

መንግስቲ ሶማልያ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሃገረ ሶማል ተመዲቦም ንዝሰርሑ ዝነበሩ አምባሳደር ሙክታር ካብ መሬት ሶማል ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ጠቕሊሎም ንኽወፁ ጉዱድ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈትን ኣፍተን ሓውሲ ናፃ ርእሰ ምምሕዳራታት ዝዀና ፑንትላንድን ሶማሊላንድን ዝነበሩ ክልተ ቈንስላታት ኢትዮጵያ ብሁፁፅ ክዕፀው ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ፀብፂቡ።

አምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሃገረ ሶማል ኣምባሳደር ሙክታር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተዋህቦም ደብዳበ ሹመት ንፕሬዝዳንት ሓሰን ሼክ ሙሐመድ ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ ዝሓበረ ሮይተርስ እዚ ሕዚ ብመንግስቲ ሶማል ዝተወስደ ኣምባሳደር ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሞንጐ ክልቲአን ሃገራት ምውጣጥ ስዒቡ ዝመፀ ምዃኑ ንክልተ ላዕለዎት ሰብ መዚ ሃገረ ሶማልያ ብምውካስ ሮይተርስ ገሊፁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባዚ ዝተወሰደ ስጉምቲ ዛጊድ ዝሃቦ ምላሽ የለን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *